Fana: At a Speed of Life!

ዝተወደበ ሌብነት ንምውጋእ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ስርሑ ጀሚሩ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበበ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተወደበ ሌብነት ንምውጋእ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ስርሑ ከምዝጀመረ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ÷ ምሕደራ መሬትን ኣባይቲን መንግስቲ፣ ዘፈር ፀጥታን ፍትሒ፣ ዘፈር ፋይናንስ፣ ስርዓት እቶትን ጉምሩኽን መንግስቲ ከምኡ እውን ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ምሕደራን ዘፈራት ዕድጊት መንግስቲ ትኹት ዝተገበረሎም ዓውዲታት ኢዮም።

ኣቐዲሞም ብዝተገበሩ ምፅራያት ብገበን ዝተጠርጠሩ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣይተ ቴዎድሮስ በቀለ ሓዊሱ ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ፣ ፖላዊስ፣ ዓቀብቲሕጊን ዳያኑን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምፅራይ ይግበረሎም ኣሎ።

በቲ ገበን ተጠርጢሮም ካብ ሃገር ዝሃደሙ ውልቀ ሰባት እውን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዓት እናተፈፀሙ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ካብ ዝጣየሽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ካብ ሕብረተሰብ ልዕሊ 250 ጥቆማታት ከምዝተኣከቡ እውን እቲ ኣገልግሎት ዝሓበረ እንትኸውን÷ ሕብረተሰብ ብ9555 ሓበሬታ ንኽህብ እውን ፀዊዑ።

ብቀሊልን ዓሚቕን ምፅራይ ስጉምቲ ዝውሰደሎም ጥቆማታት ከምዝተፈለዩን በቲ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሓፍቲ ስራሕ ክሲ ከምዝምስረትን ገሊፁ።

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ዝወስዶም ስጉምቲታት ብተኸታታሊ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበሩ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.