Fana: At a Speed of Life!

ዝተዓጠቕናዮ ዘበናዊ መሳርሒን ቴክኖሎጂን ዒላሙኡ ፈልዩ ዝወቕዕ ስለዝኾነ ሰላማዊ ዜጋታት ክወቅዕ ኣይኽእልን – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ 14 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየርና ዝተዓጠቖ ዘበናዊ መሳርሒን ቴክኖሎጂን ዒላሙኡ ፈልዩ ዝወቕዕ ስለዝኾነ ሰላማዊ ዜጋታት ክወቅዕ ኣይኽእልን” ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ።

እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሃቀነ ሓደጋ ህልውና ብብቕዓት ብምምካት ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ብምፅት ሃገር ካብ ምፍራስ ንምድሓን ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ሃገራዊ ለውጡ ስዒቡ ድሉውነትን ብቕዓትን እቲ ሓይሊ ኣየር ዘደንፍዑ ተግባራት ለውጢ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሆም፡፡

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ዝፍኖ መጥቃዕቲ ንምምካትን ግብረ መልሲ ንምውሳድን ኣብ ሙሉእ ቁመና ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ እዋን ናብ እዋን ብሓይሊ ሰብን ዘበናዊ ቴክኖሎጂን እናተወደበ ይርከብ ዝበሉ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ “ዝተዓጠቕናዮ ዘበናዊ መሳርሒን ቴክኖሎጂን ዒላሙኡ ፈልዩ ዝወቕዕ ስለዝኾነ ሰላማዊ ዜጋታት ክወቅዕ ኣይኽእልን” ኢሎም።

ብመንፅር እዚ ኣመራርሓታት ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ደገፍቱን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ “ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታተት መጥቃዕቲ ይፍፅም ኣሎ” ብዝብል ዘፍንዉዎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ህዝባዊ መሰረት ዘለዎን ብጥንኩር ስነ-ምግባር ዝተሃነፀን ሓይሊ ኣየር ስነዝኾነ፥ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኦፕሬሽን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት መጥቃዕቲ ከይበፅሕ ተሓሳቢ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ጉጅለ ህፃናት ዝሓዛ ኣዴታት ኣገዲዱ ናብ ጦር ካምቦ ብምእታው ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝኾና ኣምሲሉ ፊልም ብምቕራፅ ከምዘጋውሕ ኢዮም እቶም ዋና ኣዛዚ ዝገለፁ፡፡

ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናይ ባዕሎም መለለዪ ዘይብሎም ስለዝኾኑ፥ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ብኲናት ዝሞቱዎም ዕጡቓት ኣስከሬን ብምእካብ ሰላማዊ ዜጋታት ከምዝተቐተሉ ብምምሳል ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር እናፀዓሩ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብመፅናዕቲን ምርምርን ተሓጊዙ ብዝበለፀ ንምዝማን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ናብ ተግባር ከምዝኣቱ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.