Fana: At a Speed of Life!

ዝተጀመረ ስራሕ ሪፎርም ልዕልነት ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብዝሐሸ ንምፍፃም ከምዝሕግዝ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ዝተጀመረ ስራሕ ሪፎርም ልዕልነት ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብዝሐሸ መልክዑ ንምፍፃም ከምዝሕግዝ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ እዚ ዝበሉ፥ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኢዩ፡፡

ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ኣካል ሃገራዊ ሪፎርም ኮይኑ ልኡኽቶ እቲ ቤት ምኽሪ ብዘሐሸ መልክዑ ንምቅልጣፍ ከምዝሕግዝ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ እቲ ሪፎርም ግልፂ ዕላማን ሽቶን ተቐሚጡሉ ነዚ ንምዕዋት ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን መሰረት ብምግባር ሃገራዊ ለውጡ ስዒቡ ኩለመዳይ ለውጢታት እናገበረ ከምዝርከብ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.