Fana: At a Speed of Life!

ዝተጎድኡ ሓድግታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ብምምላስ ዓዉዲ ቱሪዝም ክነቓቓሕ ይግባእ ክብሉ ሰብ ሞያ ሓድግን ቱሪዝምን ገሊፆም 

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጎድኡ ሓድግታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ብምምላስ ዓዉዲ ቱሪዝም ክነቓቓሕ ይግባእ ክብሉ ሰብ ሞያ ሓድግን ቱሪዝምን ገሊፆም፡፡

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ብዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ብዓል ሞያ ኣይተ ጌዲዮን ሽመልሽ  ከምዝበልዎ÷ ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ወሪሩ ሒዝዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሓድግታት፣ ኣብያተ ክርስትያናት፣ መስጊዳት፣ ኣግራባትን ብሄራዊ ፓርክታትን ልዑል ጉድኣት ምብፅሑ ተዛሪቦም፡፡

ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ካብ ሕጊ ኲናት ወፃእ ናይ ኣምልኾ ቦታታት መሕብኢን ብሄራዊ ፓርክታትን ደኒታትን ዓዉዲ ኲናት ብምግባር፤ ኣብ ዉሽጡ ዝርከቡ ኣዕዋፍን እንስሳትን ንኽስደዱን ንኽጠፍኡን ምግባሩ እቶም ብዓል ሞያ ገሊፆም፡፡

ጉድኣት እቲ ሓድጊ ብገንዘብ ኣይግለፅን ዝበሉ እቶም ብዓል ሞያ፤ ብቲ ኲናት ዝተጎድኡ ሓድግታት ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናተሰርሐ መኻኑ ገሊጾም፡፡

ኣብ ሚኒስተር ቱሪዝም ዳይሬክተር ልምዓት መባፅሕ ቱሪዝም ኣይተ ሙሳ ከድር ብግደኦም÷ ዓዉዲ ቱሪዝም ቅድሚ እቲ ኲናት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተዘሓሒሉ ምንባሩ ብምግላፅ፤ ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ኣብ ልዕሊ ሓድግታት ዘብፀሖ ጉድኣት እውን ኣዝዩ ምዝሕሓሉ ገሊጾም፡፡

ልዉዉጥ ተኹሲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቶም ሓድግታት ሙሉእ ብሙሉኡን ብፍርቂን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ዝተጎድኡ ሓድግታትን መባፅሕቲ ቱሪዝምን ናብ ንቡር ብምምላስ ዓዉዲ ቱሪዝም ክነቓቓሕ ከምዝግባእ እቶም ሰብ ሞያ ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.