Fana: At a Speed of Life!

ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወታደር ህወሓት ኣዲስ ኣበባ  ኣይኣተወን ክብላ ፕሮፌሰር አን ፊትዝ ጀራልድ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ትምህርቲ ጉዳያት ዓለም ለኸ ባልሲሊን ክፍሊ ትምህርቲ  ፖለቲካል ሳይንስ  ዩኒቨርሲቲ ላውሪየርን አን ፊትዝ ጀራልድ፥ ዝኾነ ይኹን ወታደር ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ክኣትው ከምዘይረኣያ ገሊፀን፡፡

“ጉጅለ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ እትዩ“ ዝብል ግጉን ሓበሬታ ዝነዝሑ ደገፍቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡

ካብ ሎስ ኣንጀለስ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹን ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈሩን ኢትዮ ኣሜሪካዊን  ተኻታዒ  ሰብኣዊ መሰል ዳኛቸው ተሾመ ብግደኦም÷ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህወሓት ክትኣትው እያ ዝብል ሓበሬተኦም ሸይጣናዊ ሽርሖም ዘርእይን  ክብሪ ሃገር ዝትንክፍን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ዲፕሎማት ወፃኢ፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፣ ከምኡውን ኮርፖሬሽናት ካብ ኢትዮጵያ ንኽወፁን ኢሉ እውን ኢኮኖሚያዊን ካልኦትን ጥፍኣታት ክፍፀሙ ንምግባር ዝተፈጠረ ሽርሒ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

“መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሚሳኤል ክውቃዕ እዩ“ ዝብል ኣሜሪካ ዘውፀአቶ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነን መንገዲ ኣየር ዝረኽቦ ሸርፊ ወፃኢ ንኸይረክብ ዝተገበረ ሽርሒ እዩ ኢሎም፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.