Fana: At a Speed of Life!

ዝኾነ ይኹን ዘይሻራዊ ሃገር ለኸ ወይድማ ዓለም ለኸ ተዓዛቢ መረፃ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ መጀመርታ ሉኣላዊነት ሃገር ከኽብሩ ይግባእ – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዝኾነ ይኹን ዘይሻራዊ ሃገር ለኸ ወይድማ ዓለም ለኸ ተዓዛቢ መረፃ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ መጀመርታ ሉኣላዊነት ሃገር ከኽብሩ ከምዝግባእ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ምዕዛብ መረፃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ጉዳይ ምዕዛብ መረፃ ማዕቐፍ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ፡፡

ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ዶክተር ራሄል ባፌ፥ ሕብረት ኣውሮፓ መረፃ ኢትዮጵያ  ንኽዕዘብ ሰናይ ድሌት ዘለዋ ይኹን እምበር እቲ ሕብረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሓዞ ቅዋም ብድጋሚ ክሪኦ ከምዝግባእ ኣብሪሀን፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዘጋጠሙ ፀገማትን ዓለም ለኸ ሕጊታት ምዕዛብ መረፃ ብዘገናዘበ መልክዑ ዝሓዞ ቅዋም ብድርድር ንኽምልከቶ ኣብቲ መግለፂ ተሓሩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብዘይፃረር መልክዑ ምስ ተዓዘብቲ ተዛራሪቡ ምቹው ኩነታት ክፈጥር ይግባእ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ናፃ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን መረፃ ንኽካየድ ኩሎም ኣካላት ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ፀዊዑ፡፡

እቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መረፃ ኢትዮጵያ ዘለዎ መሰል ምውሳን ምዕዛብን ዘይምዕዛብን፥ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዘኽብር ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሕብረት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ መረፃታት እናተዓዘበ ፀኒሑ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረፃ ካብ ተዓዛብነት ንምውፃእ ዝወሰነሉ ምኽንያትን ዘይተረዳደአሉን ነጥቢ ሰብ ጉዳይ ንዝኾኑ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ከፍልጥ ገምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ብኣወል ኣበራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.