Fana: At a Speed of Life!

የመን ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘንፀላለዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ የመን ካብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘንፀላለወ ተገሊፁ።

ካብ ዓለም ዋና ዋና ገበርቲ ሓገዝን ትካላት ርዳእታን ዓቢዪ ሓደጋ ንዘንፀላለዎም የመናውያን ሓገዝ ንምትእኽኻብ ኣብ ብራስለስ ዘተ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ህይወት ብሚሊየን ዝቑፀሩ የመናውያን ኣብ ኢድ እቶም ገበርቲ ሓገዝ ከምዝርከብ እውን እናተገለፀ ይርከብ።

ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፀገም ብፍላይ ምንኣስ ኣገልግሎት፤ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም 6 ነጥቢ 7 ሚሊየን የመናውያን ልዑል ፅዕንቶ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ መርህታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ኣብ ዝኽእሉሉ ከባቢ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ የመን ሊሴ ግራንዴ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ የመን ተፈጢሩ ንዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፥ መብዛሕተኦም ኣካላት ንዓመፅቲ ሃውቲ ተሓተትቲ እናገበሩ ይከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.