Fana: At a Speed of Life!

የሺሃይድ ሱጋ ንሺንዞ ኣቤ ብምትካእ መራሒ ገዛኢ ውድብ ጃፓን ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ገዛኢ ውድብ ጃፓን ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዝገበሮ መረፃ የሺሃይድ ሱጋንሺንዞ ኣቤ ብምትካእ መራሒ ገዛኢ ውድብ ጃፓን ንክኾኑ ሓሪዩዎም።

እቶም ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ብምዃን ዝተመዘዙ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይታ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእልኦም ልዑል ኢዩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዝነበሩ ሺንዞ ኣቤ ምስ ጥዕናዊ ኩነታት ተኣሳሲሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስልጣን ምውራዶም ዝዝከር እዩ።

ስለዝኾነ እቲ ውድብ ዋና ፀሓፊ እቲ ካቢነ እታ ሃገር ዝኾኑ ወዲ 71 ዮሺሃይድ ሱጋ ከም ዝመዘዘ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብ 534 እቲ 337 ድምፂ ከምዝረኸቡ ኣልጂዛራ ገሊፁ።

ረቡዕ በሚካሄደው ፓርላመንታዊ ምርጫ ከወዲሁ እንደሚያሸንፉ ይጠበቃል፡፡

ዕለተ ረቡዕ ኣብ ዝካየድ ፓርላመንታዊ ምርጫ  የሺሃይድ ሱጋቀዳማይ ሚኒስትር ንክኾኑ ተተስፍይሎም ዘሎ እንትኸውን፥ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቤ ናይ ቀረባ ዘመድ ብምዃኖም ኣሰር ተኸቲሎም ናቶም ፖሊሲ ከም ዘቐፅሉ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.