Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲታት ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ይቕበላ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ፈተነኦም ዝወስዱ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ይቕበላ ኣለዋ።

ሚኒሰስቴር ትምህርቲ ብመሰረት ዘውፀኦ መርሃ ግብሪ ኢየን እተን ዩኒቨርሲቲታት ካብ ትማሊ ጀሚረን እናተቐበላ ዝርከባ፡፡

ብመሰረት እዚ ÷ ዩኒቨርሲቲታት ሰላሌ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ደብረብረሃን፣ እንጅባራ ፣ ኣሶሳ፣ ወልቂጤን ጋምቤላን ተምሃሮአን ይቕበላ ኣለዋ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ጂንካ፣ ደባርቅ፣ ኣምቦን መዳ ወላቡን ከምኡ እውን ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞን ወራቤን ተፈተንቲ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ እናተቐበላ ይርከባ፡፡

ነቶም ተምሃሮ ዘድልዩ ኣገልግሎታት ምግቢን ሕክምናን ከምኡ እውን ካልኦት ኣገልግሎታት ከምዘሰናድኡ ተገሊፁ፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬን እታገኝ መኮንን ፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ዩኒቨርሲቲታት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.