Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሃገር ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምህንድስናን ሕክምናን ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሃገር ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምህንድስናን ሕክምናን ብስሩዕ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 502 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ብዓውዲታት ምህንድስናን ጥዕናን ብቀዳማይ ዲግሪ፣ ብካልኣይን ዲግሪን ቲቪኢቲን ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጀነራል ኣደም መሓመድ ተረኺቦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘሓለፉ 19 ዓማውቲ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ትምህርቲ ኢንጂነሪንግ፣ ጥዕናን ምሕደራ ሃፍቲ ሰብን ተምሃሮ እናሰልጠነ ከመርቕ ምፅንሑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ተምሃሮ ሓዊሱ ክሳብ ሕዚ 9 ሺሕን 856 ተምሃሮ ከመርቕ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.