Fana: At a Speed of Life!

ዩናይትድ ካፒታል ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣለሻን ልምዓትን ተፈጥሮ ጋዝ ንምውፋር ድሌት ኣርኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩናይትድ ካፒታል ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣለሻን ልምዓትን ተፈጥሮ ጋዝ ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር መዓድን ፌዴሪኢ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ብልኡል ጆርዳን ኣባስ ቤን ዓሊ ቤን ናይፍ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዩናይትድ ካፒታል ግሩፕ ኣብ ኢንቨስትመንት ተፈጥሮ ጋዝ ኢንቨስትመንት ምዝታዮም ገሊፆም።

እቶም ሚኒሰትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣብ ስራሕቲ ነዳዲን ዝተፈላለዩ መዓድናትን ዘተዋፈረ ኩባኒያ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣለሻን ልምዓትን ተፈጥሮ ጋዝ ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎን ኣብሪሆም፡፡

ናብ ትባራዊ ምንቅስቓስ ንምእታው ምስቲ ልኡኽ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.