Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስቲ ወልዲያ ሰለስተ ምክትላት ፕሬዚዳንት ካብ ስረሖም ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ ወልዲያ ሰለስተ ምክትላት ፕሬዚዳንት ካብ ስረሖም ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ዩንቨርስቲ ኣይተ ተፈራ ኣስናቀ ከምዝበልዎ፥ እቶም ምክትላት ፕሬዚዳንት ብመሰረት ውሳነ ሴኔት ኢዮም ካብ ስራሕ ተኣጊዶም።

ይኹን እምበር ምኽኒያት እቲ እግድ ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ ዝርዝር መረዳእታ ኣይወፅአን።

ዩንቨርስቲ ወልዲያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ዘይምርግጋዕ የጋጥሞ ከምዝነበረ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.