Fana: At a Speed of Life!

ዩ ኤን ዲ ፒ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበበ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕራት መንግስታት (ዩ ኤን ዲ ፒ) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ  ዩ ኤን ዲ ፒ ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ፍጹም ኣሰፋ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብኲናት፣ ኮቪድ-19፣ ብድርቂን ካልኦትን ልዑል ፅዕንቶታት ይፈተን እምበር ዕቤት ኣርኢዩ ኢዩ፡፡

እቲ ዕቤት ቅልጣፍኡን መጠኑን ወሲኹ ንኽኸይድ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲን ምምሕያሻት ኢኮኖሚን እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ትካል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕራት መንግስታት (ዩ ኤን ዲ) ሓገዝ ከምዘድልዮ ገሊፀን፡፡

ሓላፊ ትካል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕራት መንግስታት ኣኪም ስታይን÷ ኣብሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዳግመ ህንፀት፣ እግሪ ምትካልን ካልኦት መሰል ኣንፈታት መንግስቲን ኣብ ዝኾኑ ስራሕቲ ልምዓት ሓገዞም ከምዘጠናኽሩ ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.