Fana: At a Speed of Life!

ያጎ ሲልቫ ንጋንታ ቸልሲ ፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ቲያጎ ሲልቫ ንእንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቸልሲ ፈሪሙ።

ሲልቫ ናይ ምንዋሕ ኣማራፂ ዘለዎ ስምምመዕነት ውዕሊ ሓደ ዓመት ኢዩ ናብ ጋንታ ቸልሲ ፈሪሙ ዘሎ።

ወዲ 35 ዓመት ተኻላኻሊ ቲያጎ ሲልባ ብናፀ ዝውውር ካብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒ ኤስ ዢ ናብ ሰማያዊት ጋንታ ቸልሲ ከምዝተፀምበረ ኢየ ዝተገለፀ።

ሲልቫ ኣብ ናይዚ ዓመት ዝውውር ክረምቲ ንቸልሲ ዝፈረመ ራብዓይ ተፃዋታይ ኮይኑ ኣሎ።

ቅድም ክብል ቲሞ ዌርነር፣ ሃኪም ዛይችን ቤን ቺልዌልን ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ምፅምባሮም ይፍለጥ።

እታ ጋንታ ናይ ማላንግ ሳር ዝውውር ምዝዛማ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.