Fana: At a Speed of Life!

ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተሰሪሐን ዝያዳ ስብሒ ሰብነተን ክቃፀል ዝሓሸ ዕድል ኣሎ-መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝበለፀ ውፅኢት ዝርከብሉ ሰዓታት ምንቅስቓስ ኣካላት ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተፈላለየ ከም ዝኾነ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መፅናዕቲ፥ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተሰሪሐን ዝያዳ ስብሒ ሰብነተን ክቃፀል ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ኣጋ ምሸት ዝገብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝያዳ ውፅኢት ይረኽቡሉ።

ኣብ መንጐ ክልቲኡ ፆታ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሆርሞናት፣ ባይሎጂያዊ ሰዓታት፣ ሰዓታት ድቃስን ምንቃሕን ኣብዚ ውፅኢታውነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ እጃም ኣለዎም ተባሂሉ።

እቲ መፅናዕቲ፥ ካብ 25 ክሳብ 55 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ/ባ 30 ደቂተባዕትዮን 26 ደቂኣንስትዮን ብምስታፍ ን12 ሰሙናት ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ሓደ ጕጅለ ንግሆ ቅድሚ ሰዓት 02፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ንሓደ ሰዓት ዝፀንሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሰርሕ፤ ካልእ ጕጅለ ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ካብ ኣጋምሸት ሰዓት 12፡00 ክሳብ ምሸት 02፡00  ክነጥፍ ተገይሩ ኢዩ።

ኵሎም ተሳተፍቲ ‘ቲ መፅናዕቲ ዝፈተለየ መግብን ኣመጋግባን ይኽተሉ ነይሮም።

ኣብ እዋን እቲ መፅናዕቲ መጠን ድፍኢት ደምን ስብሒ ሰብነትን ናይቶም ተሳተፍቲ ክዕቀን ተገይሩ።

ተዓፃፃፍነቶም፣ ሓይሎምን ኤሮቢካዊ ዓቕሞምን እውን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ከምዝተፈተሸ ተገሊፁ።

ኣብቲ ን12 ሰሙናት ዝቐፀለ ፈተነ፥ ኩሎም ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጥዕናኦምን ብቕዓቶምን ምምሕያሽ ኣርእዮም’ዮም።

“ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር፡ እቲ ብሉፅ ግዜ ዝበሃል ክትሰርሕ ምኽኣልካን ምስ መደባትካ ዝጠዓዓም ምግባርካን እዩ” ይብል ነቲ መፅናዕቲ ዝመርሐን ፕሮፈሰር ጥዕናን ስነልቦናን ዶክተር ፖል ኣርሰሪዮ።

እንተኾነ ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ውፅኢታዊ ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩሉ ሰዓታት ዝተፈላለየ ክኸውን ከምዘለዎ ዘመልክት ኩነታት ከምዘሎ ሓሳብ ይህብ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብመሰረት እዚ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተሰሪሐን ዝያዳ ስብሒ ሰብነተን ክቃፀል ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ኣጋ ምሸት ዝገብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝያዳ ውፅኢት ይረኽቡሉ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.