Fana: At a Speed of Life!

ደቂ ኣንስትዮ ንመሪሕነት ክበቕዓ ምግባር ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ – ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቂ ኣንስትዮ ንመሪሕነት ክበቕዓ ምግባር ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ፕሬዚደንቷ ‘‘ውመን ፖለቲካል ሊደርስ’’ ዝተብሃለ ትካል ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ መደረ ዘስማዓ እንትኾና፥ ደቂ ኣንስትዮ ናብ መሪሕነት ንምምፃእ ይሕግዙ ኢዮም ዝበለኦም መፍትሒ ሓሳባት ኣልዒለን፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ክእለት ኣመራርሓ ምሃብ፣ ኣብ መሪሕነት ዝርከባ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ምኽሪን ሓገዝን ምሃብ፣ ደቂ ኣንስትዮ ነኒባዕለን ክተሓጋገዛ ብግባርን ባህሊ ምስራሕ ምምምዕባልን ከምኡ እውን ዕድል እንተተዋሂቡወን ደቂ ኣንስትዮ ሰሪሐን ከሪኣ ከምዝኽእላ ምእማን ይርከቡዎም፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣመራርሓ ክበቕዓ ኣብ ምግባር ብዝተፈላላዩ ብርኪታት እናተተግበሩ ዝርከቡ መርሃ ግብሪ ከምዘጀመራ ካብ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.