Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ሱዳን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ተግባር ኣይትፍፅምን – ኣምባሳደር ጀምስ ፒፒያ ሞርጋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ደቡብ ሱዳን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ተግባር ከምዘይትፍፅም ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒፒያ ሞርጋን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ጀምስ ፒፒያ ሞርጋን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሰራዊት ዝሰፍረሉ ቦታ(መዓስከር) ንምህናፅ ዘኽእል ፍቓድ ንግብፂ ሂቡ ብዝብል ኣብዚ ሰሙን ዝናፈስ ዘሎ ወረ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ግብፂ ኣብ ከባቢ ፓጋክ መዓስከር ሰራዊት ንምህናፅ ዘኽእል መሬት ሂባ ብዝብል ዝተወዘዐ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ ክብሉ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

እቲ ሓበሬታ ዝብትኑ ጉጅለታት ትሕብብር ክልቲአን ሃገራት ንምፅላም  ድልየት ዘለዎም ኢዮም ኢሎም።

ደቡብ ሱዳን ፀገም ኣብ ዘጋጥማ ግዜ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድና ኣላ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ ደቡብ ሱዳናውያን ነቲ እወንታዊ ተግባር ፍፁም ኣይርስዕዎን ክብሉ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ፀገማት ብዘተ ከምእትፈትሕ ዘለዎም እምነት እውን ገሊፆም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሃገሮም ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ከምእትስለፍ ድማ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝሓስብ ሓይሊ ብሸነኽ ደቡብ ሱዳን እኳ እንተትመፅእ ቀዲሞም ዝከላኸልዎ/ዝጋፈጥዎ ደቡብ ሱዳናውያን ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ባዕላ ግዝኣት ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም መሰላ ደቡብ ሱዳን ሙሉእ ብሙሉእ ከምእተኽብር እቶም ኣምባሳደር ኣፍሊጦም።

ቤት ዕዮ ዓለም ለኻዊ ትሕብብርን ጉዳያት ወፃኢን ደቡብ ሱዳን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ግብፂ ኣብ ከባቢ ፓጋክ ሰፈር ሰራዊት ንምህናፅ ዘኽእል ፍቓድ ሂባ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተወዘዐ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረተ ቢስን ኢዩ ምባሉ ይዝከር።

ብኣላዛር ታደለ

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.