Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ሱዳን ኣገልግሎት በረራ ውሽጢ ዓዲ ዝህብ መገዲ ኣየር ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ንኡሽተይ ኣውሮፕላን ምሕምሻሻ ስዒቡ ኣገልግሎት በረራ ውሽጢ ዓዲ ምእጋዳ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፥ እታ ኣውሮፕላን ሰሉስ ምምሕምሻሻ ስዒቡ እቲ መገዲ ኣየር ብግዚያዊነት በረራ ከይገብር ኣጊዶም፡፡

እታ ኣውሮፕላን ንበረራ ምስተለዓለት ድሕሪ ደቓይቕ ኣብ ምስራቕ ግዝኣት ጆንግሌ ከምዝተሓምሸሸት ተፈሊጡ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኬንያዊ ኣብራሪ ሓዊሱ ኣብታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ መገደኛታትን ሰራሕተኛታትን ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ኪር ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ መገዲ ኣየር ተኣጊዱ ዘሎ እዋናዊ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስጉምቲ ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ኣውሮፕላን ንምክልኻልን ህዝባዊ እምነት ንምርካብን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.