Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኣፍሪካ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና እንተነኪዩ ዝተቐመጡ ገደባት ከምተልሕልሕ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና እንተነኪዩ ዝተቐመጡ ገደባት ከምተልሕልሕ ኣፍሊጣ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ፥ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምቁፅፃር ዝተቐመጡ እገዳታት ካብ ደረጃ ሰለስተ ጀሚሩ ክሳብ ደረጃ ሓደ ክዝወርድ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ እዋን በዓል ዝተቐነጡ ገደባት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምንካይ ከምዘሓገዙን ዕዉታት ከምዝነበሩን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ልዑል ጥንቃቐ ብምግባር ኩሉ ጉልበትን ፃዕሪን ኣብ ምዕባይ ኢኮኖሚ ከውዕሎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ሳልሳይ ዙር ስግኣት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ማሕበራዊ ርሕቐት ምሕላው፣ ህዝቢ ካብ ዝተኣከበሉ ቦታ ምርሓቕን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር 1 ሚሊየን 513 ሺሕን 393 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 49 ሺሕን 993 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.