Fana: At a Speed of Life!

ዴክሳሜታዞን ዝተብሃለ መድሓኒት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ኦክሲጅን ንዘድሊዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ከም ህፁፅ ሕክምና ንምጥቃም ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዴክሳሜታዞን ዝተብሃለ መድሓኒት ኣብ ኢትዮጵያ ኦክሲጅን ወይ ድማ ሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ ንዘድሊዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ሰብ ሞያታት ሕክምና ብዝእዝዙዎ መሰረት ብምግባር ከም ህፁፅ ሕክምና ንምጥቃም ከምዝተወሰነ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ከምዝፀሓፈኦ፥ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዝውዕል ዴክሳሜታዞን ዝተብሃለ መድሓኒት ብዝምልከት ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝተኻየደ መፅናዕቲን ፀብፃብን ብዝርዝር ተራኢዩ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ብጉጅለ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕክምናን ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ሰብ ሞያታት ጥዕናን ብዝተውሃበ ምኽረ ሓሳብ መሰረት ብምግባር፥ ኦክሲጅን ወይ ድማ ሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ ንዘድሊዮም ተሓከምቲ ኮቪድ-19፤ መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ሰብ ሞያታት ጥዕና ብዝእዝዙዎ መሰረት ከም ሓደ ህፁፅ ሕክምና ንምጥቃም ተወሲኑ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.