Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ፀላኢ ኢትዮጵያ ንምድፋር ኣይፍትንን – ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ድሕሪ ሕዚ ዝኾነ ፀላኢ ኢትዮጵያ ንምድፋር ዝፍትን ኣይመስለንን” ክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ተዛሪቦም፡፡

ብሓይሊ ህዝቢ ካብ ስልጠን ዝተኣለየ ጉጅለ ህወሓት ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ብምውዳድ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ፕሮጀክት ሓንፂፁ ዝሰርሐ ምዃኑ ዶክተር ቢቂላ ገሊፆም፡፡

እቲ ጉጅለ ራዕዲ “ኣነ ዘይመራሕኹዋ ኢትዮጵያ ክትፈርስ ኣለዋ” ኢሉ ብምትላም ካብ ህፃናት ክሳብ ሽማግለታት ንወፍሪ ኣሰሊፉ ንኢትዮጵያ ከፍርሳ እየ ኢሉ ይሰርሕ ኣሎ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ትኽክለኛ ጎደና ለውጢ ምዃና ዝገለፁ ዶክተር ቢቄላ፥ ክብራን ናፅነታን ኣሐልያ ኣብ ቃልሲ ናፅነት ኣፍሪካ ፓን ኣፍሪካኒዝም መራሒት ኮይና ቀፂላ እያ ክብሉ ድማ ጠቒሶም፡፡

ደቂ ቁርፂ እዋን ኢትዮጵያውያን የርእዩዎ ብዘለዉ ናይ ጅግንነት ገስጋስ÷  “ድሕሪ ሕዚ ዝኾነ ፀላኢ ኢትዮጵያ ንምድፋር ዝፍትን ኣይመስለንን” ክብሉ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝሽርሓ ኣፃብዕቲ፤ ኢትዮጵያ ዘይትድፈር ናይ ብዙሓት ጀጋኑ ሃገር ከምዝኾነት ክግንዘባ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.