Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተጀመረ ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሲቪያ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ላሊጋ ስፔን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ትማሊ ዳግም ናብ ውድድር ተመሊሱ።

እቲ ውድድር ትማሊ ምሸት እንትጅምር ጋንታታት ሲቪያን ሪያል ቤቲስን ኣራኺቡ።

እቲ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝተጀመረ ውድድር ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሲቪያ 2 ን 0 እንትትስዕር፥ ኦካምፖስን ሬጌስን እተን ሸቶታት ኣቑፂሮምወን።

እቲ ፀወታ ኣብ ዕፁው ስታዲየም ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ቅድሚ እቲ ፀወታ ደገፍቲ ሲቪያ ኣብ ቀፅሪ እቲ ስታዲየም ተኣኻኺቦም ተራኢዮም ተባሂሉ።

እዚ ድማ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝተመሓላለፈ መምርሒ ዝጠሓሰ ኢዩ ብዝብል፤ ገለገለ ሰባት ኣብቲ ዳግም ዝተጀመረ ውድድር ስግኣቶም ይገልፁ ኣለዉ።

እቲ ፀወታ ብምኽንያት ይረስ ኮሮና ህይወቶም ንዝሰኣኑ ሰባት ፀሎት ሕሊና ብምግባር ኢዩ ተጀሚሩ።

ላሊጋ ስፔን ሎሚ መዓልቲ እውን ቀፂሉ ግራናዳ ምስ ሄታፌ ቫሌንሲያ ምስ ሌቫንቴ ክራኸባ ኢየን።

ፅባሕ ድማ ጋንታ ባርሴሎና ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ማዮርካ እንትትገጥም፥ ሪያል ማድሪድ ድማ ድሕሪ ፅባሕ ንኣይባር ክተተኣናግድ ኢያ።

ቅድሚ ሕዚ ቡንደስሊጋ ጀርመን ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲታት ድማ ፕሜር ሊግ እንግሊዝ ብክልተ ፀወታታት ክጅመር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.