Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት መገዲ ንምሕላው ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ወፍሪ ቁፅፅር ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕንነት መገዲ ንምሕላው ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ወፍሪ ቁፅፅር ከምዝካየድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣርባዕተ ክልላትን ከምዝጅመር ተገሊፁ።

ኣገልግሎት ድሕንነት መገዲን ፈንድ መድንን ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብብርኪ ሃገር ክሳብ ሐዚ ካብ ጳጉሜ ክሳብ ጳጉሜን መገዲ ንሰብን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ልዕሊ 34 ሚሊየን ክፋላት ሕብረተሰብ ምስታፎም ገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ 2010 ዓ.ም ብ10 ሺሕ ተሽከርከርቲ 55 ሰባት ከምዝሞቱ ብምግላፅ፥ ኣብ 2014 ዓ.ም እቲ ቁፅሪ ናብ 30 ንምውራድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ጀማል ኣባሱ÷ በቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንድሕንነት መገዲ ልዑል ትኹረት ብምሃብ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ወፍሪ ቁፅፅር ከምዝጅመር ኣፍሊጦም።

ብዘመን በየነ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.