Fana: At a Speed of Life!

ድሙቕ ቅያ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣቦሓጎታትና ዓቂብና ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና – መንግስቲን ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ድሙቕ ቅያ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣቦሓጎታትና ዓቂብና ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግልፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ

ድሙቕ ቅያ፣ መበል 19 ክ/ዘመን፣ ኣቦሓጎታትና ዓቂብና፣ ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና!!

ቅድሚ ኩሉን፣ ልዕሊ ኩሉን፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮዽያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፣ ፈላማይ ኣፍሪካዊ ጀነራል፣ ኣቦሓጎና ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋን፣ ጥበበኛ፣ መሃንዲስ ስለላ ኣቦሓጎና፣ ባሻይ ኣውዓሎምን፣ ዝርከብዎም ብዙሓት ጀጋኑ መራሕቲ ኲናት፣ ሓርበኛታት፣ ጀጋኑ ተዋጋእቲ፣ ኣጋር ሰራዊት ኣቦሓጎታትናን፣ ምስ ብሄር ብሄረሰብን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፣ ዝዓበየ እጃም ኣንበሳ ኣበርኪቶም እዮም። ህዝብና ንናይ ውሽጢ ጎበጥትን መዝመዝትን፣ ከምኡ እውን ማእለያ ዘይብሉ ዘመናዊ ጋዕገልጠም መሳርሒ ኲናት ዝተዓጠቐን ብወታደራዊ ሳይንስ፣ ንዝምራሕ ባዕዳዊ ወራሪ ጥልያን፣ እውን ኣይተንበርከኸን።

እቲ ተሃንዲዱ ዝመፀ፣ ባዕዳዊ ወራሪ ጥልያን፣ ነጋሪ ወረ ዘይብሉ፣ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ሓመድ ድበ ክኽደን ዝተገበረሉ፣ መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ፣ ብድሙቕ ፅንብል ክነኽብሮ ኢና። በዚ ኣጋጣሚ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ እንኳዕ ብሰላም ኣብፀኩም! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ እንተመሓላልፍ፣ ዝስመዖ ሓበን ዝለዓለ እዩ፡፡ ሎሚ እውን ህዝብና ኣብ ህዝባዊ መስመርና ኣዕሲልና፣ ኣብ ኣዶ ማህደር-ድርብ ድርብርብ ዓወታትና፣ ዝኾነት ወርሒ ለካቲት፣ ንዓለም ዘስደምም ሓዱሽ ታሪኽ ከም እንሰርሕ ብምትእምማን እዩ፡፡

23 ለካቲት 2012 ዓ/ም ንመበል 124 ዓመት እነኽብሮ በዓል ዓወት ዓድዋ፣ ኣብ ፅባሕ መበል 45 ዓመት፣ ልደት 11 ለካቲት ብምዃኑ፣ ናፃነት ፖሊሲን ሉኣላውነት ህዝብናን ንምግሃስ፣ ካብ የማነ-ፀጋም፣ ኢዱ ንዘወጣውጥን ዓገርገር ንዝብልን ዝኾነ ኣባዓራርኸኛ ውሽጥን ወፃእን ንምምካት ድልዊ ምዃንና ፈታውን ፀላእን ክፈልጥ ይግባእ፡፡ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም 23 ለካቲት 1888 ዓ/ም ኣብ ዓድዋ ኣንፃር ባዕዳዊ ሓይሊ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ኲናት፣ ኣወገጭገጭ፣ ጉራዴ፣ ሳንጃ ብሓፈሻ ዝኣረገ መሳርሒ ኲናት ተዓጢቖም፣ ንወራር ሰራዊት ጥልያን ደምሲሶም ሉኣላውነት ህዝብናን ሃገርናን ኣኽቢሮም ንዘለኣለም እናተዘንተወ ዝነብር ታሪኽ ፅሒፎም እዮም፡፡

ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት፣ ንወራር ጥልያን፣ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ቤት ማእሰርቲ ብሄር፣ብሄረሰባት፣ እትብሃል ዝነበረት ሃገርና፣ ካብ መቑሕ ብሄራዊ ዕብለላ ሓራ ንምውፃእ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1966 ዓ/ም ብዘካየድዎ፣ ፍኑው ናዕቢ፣ መስፍናዊ ስርዓት ሃፀይ ሃይለስላሴ፣ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣስኢኖም፣ መንበረ ስልጣኑ ክነቓነቕ ዝገበረሉ እዋን እዩ፡፡
ወርሒ ለካቲት፣ ኣቦሓጎታትና፣ ወራር ሰራዊት ጥልያን፣ ኣዋሪዶም ስዕረቱ ክጉምጎም፣ ዝገበረሉ እዩ። ከምኡ እውን፣ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ሽግ ሓርነት ዝወለዐላ፣ 1981 ዓ/ም ድማ፣ ህወሓት ህዝብና ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፣ ኣብ ሽረ ነቊጡ፣ ዝነበረ፣ 604 ኮር ዝበሃል ዕስለ ሰራዊት ደርግ፣ ብምድምሳስ፣ መብዛሕተአን ከተማታትን ገጠራትን ትግራይና፣ ካብ መንጋጋ ኣረመነ ፋሽሽታዊ ደርግ፣ ሓራ ዝወፀትላ፣ ወርሒ ብምዃና፣እዛ ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ኣለዋ፡፡

ወርሒ ለካቲት፣ ህዝቢ ትግራይ ሓዊስካ፣ ኩሎም ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ መቑሕ ብሄራዊ ዕብለላ ካብ ሱሩ ምሒዎም፣ ዲሞክራስያዊ ማዕርነት ንምርግጋፅ፣ መስዋእቲ ዝኸፈሉላ፣ ወራሪ ጥልያን ዝደምሰሱላን ሉኣላዊነቶም ዘኽበሩላን እያ፡፡ ኣብ ፅባሕ ወርሒ ለካቲት ማለት 24 መጋቢት 2003 ዓ/ም ድማ፣ ሰንደቕ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝኾነ፣ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ብመራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ እምነ ሰረት ዝተነበረላን፣ ክሳብ 2010 ዓ/ም ድማ ህንፀት እቲ ግድብ፣ ማለት ሕዚ መንግስቲ ፌደራል ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፣ ሱሳን ሰለስተን ሚኢታዊ (63%) በፂሑ ነይሩ እዩ፡፡ እንተኾነ ኣብ ሉኣላውነትና ተደራዲሩ ዘይፈልጥ ህዝብና፣ እዚ ሎሚ ንፌደራል መንግስቲ ዘማሓድር ዘሎ ጉጅለ፣ ኩሎም፣ በርታት ኢትዮጵያ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ፣ ሉኣላውነት ሃገርናን ናፅነት ፖሊሲናን ክድፈር ብምግባር፣ ዓቕሚ ዘለዎን ዘይብሉን ዝኾነ ባዕዳዊ ሓይሊ፣ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ከም ድሌቱ ዝዘርገሉን ዝገብረሉን ባይታ ኣጣጢሑ ይርከብ። ብምዃኑ እቲ መለለዪን ምልክትን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ብዘሐፍር ኣገባብ ናብ ድርድር ኣትዩ፣ ኣብ ዘለሉ እዋን ኮይንና ኢና መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ዘለና፡፡

እቲ ንህዝብን ሃገርን ዘሕፈረን ዘዋረደን፣ ተግባር መንግስቲ ፌደራል ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ፣ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ፣ ኣብ ክሊ ብዙሃነት መሰረት ዝገበረ፣ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኮይኖም፣ ብረሃፆምን ገንዘቦምን፣ ዝሃነፅዎ፣ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮዽያ፣ ብቐንዱ፣ ሓደ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብን፣ ሓደ ኢኮኖምያዊ ማሕበረሰብን ኣብ ድልዱል ባይታ ንምንባር እምነ ሰረት፣ ዝኾኖም፣ ግድብ ኣታኣጓጒሉ ባንኪ ዓለምን ኣሜሪካን ኢዶም ከእትው ገይሩ፣ ፈፂሙ ናብ ዘየድሊ ድርድር ክኣትው ምፍቃዱ፣ ሃገርና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣትያ፣ ኣብ ጫፍ ምብትታን በፂሓ ከም ዘላ ጭቡጥ መርኣያ እዩ፡፡

ስለዝኾነ መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር፣ ልዕሊ ኩሉ ናፅነት ፖሊሲ ዘኽበረ፣ሉኣላውነት ህዝብና ብሙሉእነት ዘረጋገፀ፣ ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መስመርና ኣፅኒዕና ሒዝና፣ ብምቅላስ፣ ሓድነትና ንምሽርሻር ምስ ሓይልታት ትምክሕቲ ሸሪኹ፣ ሰላዕ በጣዕ፣ ዝብል ዘሎ ንኸብዱ ዝሓደረ ባንዳን ጠላምን ኣቃሊዕና ጥራሕ ዝባኑ ክወፅእ ብምግባር፣ ድሕንነትን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ንክኽበር፣ መደባት ሓመድን ዕቀባን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ኩሎም ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ዘፈራት ዝዓመምናዮ መደባት ዴሞክራይታይዜሽን ትራንስፎርሞሽን ንምዕዋት ክብርታትን፣ጅግንነት ኣቦሓጎታትና፣ ወሪስና ኣብ ኩሎም ስራሕቲ ሓጋይ ብግዜ የለን መንፈስ ተለዓዒልና “ሰራዊት ልምዓትን መኸተን” ፈጢርና ዓወት ዓድዋ ብልምዓት ክንድብሶ ይግባእ፡፡

ብሓፈሻ ኣቦሓጎታትና፣ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክ/ዘመን፣ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትናን፣ ኣሓትናን፣ ብፍላይ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ብባዕዳዊ መግዛእቲ ሰንሰን ይብሉ ንዝነበሩ፣ ህዝብታት ዓለም፣ ዘሐበነን ንቃልሲ ዘለዓዓለን፣ ብኣንፃሩ ንወራር ጥልያን ሓዊስካ ንኹሎም ባዕዳውያን ወረርቲ ሓይልታት ስዕረት ተሸኪሞም፣ ክሳዶም ከድንኑ፣ ዝገበረ ድሙቕ ቅያ ጅግንነት፣ ብግቡእ ወሪስና ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን፣ ኣብ ፈለማ ሰላሳታት፣ ኣብ ዘለዉ ዓመታት፣ ደመኛ ፀላኢና ድኽነት ብምውጋድ፣ ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ሓመዶም ነጊፎም ተመሊሶም፣ ካብ መቓብር ከይወፁ ዝገብር፣ ኩለ-መደያዊ ስራሕቲ ብምዕዋት፣ ድሙቕ ታሪኽ ንምስራሕ ኣብ ትግራይና፣ ኩሎም ከባብታት ሃገርናን፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዝነብር ዲያስፖራ ትግራይ፣ እጃሙ ከም ዘወፊ፣ ብሄራዊ፣ ክልላዊ፣ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡

ሰናይ መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ ክኾነልና ድማ ይምነ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.