Fana: At a Speed of Life!

“ድምፅና ንነፃነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)“ድምፅና ንነፃነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሰመራ፣ ሃረር፣ ወልቅጤን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶም ዝቃወም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ዘንበሮ ክልከላ ጉዕዞን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ፅዕንቶን እዛ ሃገር ካብ ድኽነት ንከይትላቐቕ ንምግባር ካብ ምድላይ ዝፍልፍል ብምዃኑ ብፍላይ መንእሰይ ንዕብየት ሃገር ግድኡ ብምውፃእ ፅዕንቶ ወፃኢ ክቃወም ኣለዎ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቲ መርሃ ግብሪ ሎሚ ሰንበት ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰልፊ ብዙሓት መናእሰይ ከምዝተሳተፉ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.