Fana: At a Speed of Life!

ድራምባ ንግድን ኢንዳስትሪ ኣክስዮን ማሕበር ፈላማይ ጉባኤኣ ኣሳሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድራምባ ንግድን ኢንዳስትሪ ፈላማይ ስሩዕ ጉባኤኣ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጣ።

ኣካያዲ ስራሕ እታ ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ ኣሰፋ ተገኝ ከምዝበልዎ፥ ድራምባ ንግድን ኢንዳስትሪ ኣክስዮን ማሕበር ካብ ትምስረት ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 150 ሚልዮን ብር ካፒታል ኣመዝጊባ ኢያ።

ልዕሊ 3 ሽሕ ኣባላት ከምዘለውዋ እውን ገሊፆም።

ኣካቢ ቦርድ ድራምባ ንግድን ኢንዳስትርን ኣይተ ሙሉጌታ ገብረስላሴ ብግደኦም፥ ድራምባ ካብ ግዘ ናብግዘ ዕብየት እናርኣየት ትመፅእ ከምዘላ ኣብሪሆም።

እታ ማሕበር ኣክሲዮን ካብ ትምስረት ሓደ ዓመታ እኳ እንተኾት ሕጋዊ ሰውነት ረኺባ ማሽነሪታት ገዚኣ ንምትካል ኣብ ከይዲ ኣላ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ 14 ሄክታር መሬት ከምዝዓርፍ ውን ገሊፆም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ስራሕን ትልሚ ቀፃሊ ዓመትን እቲ ትካል ኣነፂሩ እዩ።

ብተወሳኪ ንኣባላት ዝጠቅሙ ሓደሽቲ ውሳነታት ቀሪቦም ኢዮም።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.