Fana: At a Speed of Life!

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐረቡሎም ክሲታት መስኪሮምለይ ኢዮም ዝበሉዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ኣባሪሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐረቡሎም ክሲታት መስኪሮምለይ ኢዮም ዝበሉዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ኣባሪሮም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ፥ ስልጣኖም ብዘይኣግባብ ተጠቒሞም ኢዮም ዝብል ክሲን ላዕለዋይ ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ክሲ ንምፅራይ መርመራ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ እቶም ፕሬዚዳንት ከዕንቅፉ ፈቲኖም ዝብልን ክሲ ቐሪቡሎም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እቶም ዝቐረቡሎም ክልተ ክሲታት ኣብ ሴኔት ኣሜሪካ እናተርኣየ ፀኒሑ ኣብ መወዳእታ ናፃ ከምዝተብሃሉ ይፍለጥ።

ፕዚዳንት ትራምፕ ኣብቲ ከይዲ ምስክር ብምዃን ሽመይ ኣጥፊኦም ኢዮም ዝበሉዎም ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ካብ ሓላፍነቶም ከባርሩዎም ክኢሎም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ፥ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ጎርደን ሰንድላንድን ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ጉዳይ ዩክሬን ዝከታተሉ ዝነበሩ ሌተናል ኮሎኔል ኣሌክሳንድር ቪንድማንን ካብ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንኽወፅኡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ተባሂሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዝቐረቡሎም ክሲታት ናፃ ካብ ዝኾኑ ንደሓር ሰራሕተኛታቶም ክነቓቕሑ ከምዝደልዩ ተዛሪቦም።

ፍልፍል፡- ቢ.ቢ.ሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.