Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ደብረፅዮን ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራድ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ትሕብብርን ምድግጋፍን ኩለ መዳይ ልምዓት ትግራይን እስራኤልን ብዝምልከት ትኹረት ብምግባር ከምዝተላዘቡ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ራፋኤል ሞራድ “ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንልምዓት” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዘተ ንምስታፍ ኢዮም ናብ ትግራይ ከይዶም።

እቶም ኣምባሳደር ተመክሮ ዕብየት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሃገሮም ኣብቲ መድረኽ ከምዘቕረቡ ድማ ተገሊፁ።

ሰርዓተ ምህዳር ብምምሕያሽ እቲ ዓውዲ ምምዕባል ከምዝከኣል ኣብቲ ዘቕረብዎ መፅናዕቲ ሓቢሮም።

ነዚ ንምግባር እስራኤል ኣድላዪ ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ድማ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ራፋኤል ሞራድ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕለኦም፥ ኣብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ፣ ትግራይ ቲሹ ከልቸር፣ ኣለና ቴክኖን ካልኦት ትካላትን ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፋብሪካ ስሚንቶ ምስ ኣብ ሃገሮም ዘለዋ ኩባኒያታት ንምትእስሳር ድልየት ከምዘለዎም ኣብቲ ዑደት ምግላፆም ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.