Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሊያ ታደሰ እዋናዊ ኩነታት ኮቪድ 19 ብዝምልከት ምስ ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ እዋናዊ ኩነታት ኮቪድ 19 ብዝምልከት ምስ ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ተዛቲየን

ኮቪድ 19 ከም ሃገር ዝኸፍአ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ቁፅሪ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ብምውስኹ እዛ ሃገር ብፅኑዕ ንዝሓመሙ ንምትእንጋድ ካብ ዘለዋ ዓቕሚ ንላዕሊ ይኸውን ከምዘሎ አገንዚበን።

ኣብ ዘለናሉ ወርሒ ጥራሕ ብብርኪ ትካላት ጥዕና ልዑል መጠን ሞት ከምዘጋጠመ አውን ገሊፀን።

ስለዝኾነ ኣቦታት ሃይማኖት ሰዓብቶም ንገዛእ ርእሶም ንክሕልዉ ማስክ ብኣግባቡ ነክገብሩን ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ርሕቀቶም ሓሊዮም እቲ ሕማም ንክከላኸሉ ኣስተምህሮ ንክህቡ ኣተሓሳሲበን።

ብተወሳኺ ኣብ ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ንኣምልኾ ንዝመፅኡ ምእመናን ዝወፅኡ ሕጊታት ንከኽብሩ ሓቲተን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.