Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ካብ ምፍፃም ደው ንከብሉ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ንምፍፃም ዝገበርዎ ተግባር ደው ንከብሉ ትሽዓተ ትካላት ነቶም ዳይሬክተር ብሓባር ብዝፀሓፍዎ ግልፂ ደብዳበ ሓቲቶም።

እቲ ደብዳበ ዝፀሓፉ፥ ማሕበር ሕክምና ኢትዮጵያ፣ ማሕበር ሓለዋጥዕና ኢትዮጵያ፣ አሜሪካን ኢትዮጵያን ፐብሊክ ኦፌርስ ኮሚቴ(ኤፓክ)፣ ኢትዮጵያን ዳያስፖራ ሃይ ሌቭል ኣድቫይዘሪ ካውንስል ኦን ኮቪድ-19፣ ኢትዮጵያን ስኮላርስ ኢን ኖርዲክ ካንትሪስ፣ ማሕበር ሕክምና ደቡብ ኣፍሪካ፣ ማሕበር ሕክምና ሌሴቶን ፒፕል ቱ ፒፕል ዝተብሃለ ትካልን ኢዩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝነበረ ጎንፂ ዶ/ር ቴድሮስ ፖለቲካዊን ግልፂ ውግንናን ዘለዎ ኣካይዳን ምኽታሎም ዝሓበሩ እቶም ትካላት፥ ብዝርርብን ድርድርን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተን ዝተዛበዐን ቅዋም ንክሕዙ ምግባሮም ኣመልኪቶም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ዝህብዎም መግለፂታት፣ ብዝፅሕፍዎም ፅሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ብዘሕልፍዎም መልእኽቲታትን፥ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዝፈፀሞ ተግባርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘብፀሖ መከራን ሱቕ መሪፆም ኢዮም ኢሎም።

ህወሓት ብዝፈፀሞ ወረራ ብዙሓት ትካላት ጥዕና ምዕናዉን ምውራሩን ብምዝኽኻር፥ እቲ ጉጅለ ንፁሃን ብምቕታልን ኣገዲድካ ብምድፋርን ገበናት ምፍፃሙ ኣመልኪቶም።

ዓለም ለኸ ትካላት እንተይተረፉ ህወሓት ኣብ ክልልት ብዝፍፀሞም ተግባራት ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ኣብ ዝገልፅሉ ዘሎ እዋን ዶክተር ቴድሮስ ኣብቲ ዛዕባ ዝበልዎ ነገር ዘይምህላዉ ኣድልወኦም ንሓደ ኣካል ምዃኑ ዘርእይ ከምዝኾነ እውን እቶም ትካላት ገሊፆም።

ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር ንክሰርሑ ብተደጋጋሚ ንዝቐርበሎም ፃውዒት ምላሽ ዘይምሃቦም ዘሕዝን ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ምስ ሰብ መዚን ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕጊ መውፅኢን ዝገበርዎ ዘተ ዕላምኡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባር ኢዩ ክብሉ ሓቢሮም።

እቲ ዑደት ሕግታት “ኤችኣር 6600” ን “ኤስ 3199”ን ንክፀድቁ ድፍኢት ንምግባር ምዃኑ ንርዳእ ኢሎም እቶም ትካላት።

ስለዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ካብ ምፍፃም ደው ንከብሉ ተሓቲቱ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.