Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ፍራንስ ቲመርማንስ ተዛቲዮም።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኣብ ዓውዲታት ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኣውሮፓን ኣድሂቦም ልዝብ ገይሮም።

እቶም ሓለፍቲ፥ ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ስርዓት ቀረብ ማይን፣ ኣብ ልምዓት ደኒ፣ ኣብ መፍረያይነት ሕርሻን ካልኦት ዓውዲታትን ኣተኲሮም ከምዝተዛተዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ፍራንስ ቲመርማንስ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ዓውዲ ዝሰርሖም ተግባራት ኣድኒቖም።

እቲ ሕብረት ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት በቲ ዓውዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ከምዝሰርሕ እውን እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.