Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኣርከበ ዕቁባይ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ብሕብረት ኣፍሪካ ሕፁይ ኮይኖም ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶክተር ኣርከበ ዕቁባይ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ዳይሬክተር ትካል ኢንዱስትሪ ልምዓት (ዩኒዶ) ኮይኖም ንኽወዳደሩ ብሕብረት ኣፍሪካ ሕፁይ ኮይኖም ብሙሉእ ድምፂ ከምዝመረፆም ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ህብረቱ ዶክተር አርከበ ብቸኛው አፍሪካዊ እጩ በማድረግ ማቅረቡን ነው በመግለጫው ያመለከተው።

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ መበል 38 ስሩዕ ኣኼቡኡ 24 ን 25 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝገበረሉ እዋን፥ ዶክተር ኣርከበ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ወኪሎም ንኽወዳደሩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ዶክተር ኣርከበ ዑቑባይ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሳላሳ ዓማውቲ ንልምዓት ኢንዱስትሪ ኣፍሪካን ቀፃልነት ዘለዎ ኩለመዳይ መዋቕራዊ ስግግር ዝሕግዙ ፖሊሲታት ብምውፃእን ብምትሕብባርን ዕዉት ከምዝኾኑ እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.