Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ምትሕብባር ዕድላት ስግግር ቴክኖሎጂን ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ተላዒሎም።

ኮሚሽነር ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፥ ራኢ፣ ዕላማታት፣ ሽቶታት፣ ፍሉያት ባህሪታት፣ ኣንፈታት ትኹረትን ዓውዲታት ትኹረትን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ብዝርዝር ኣብሪሀናለን።

እተን ኣምባሳደር ብግደአን፥ ብፍላይ ኣብ ዘፈር መሰረተ ልምዓት፣ ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕርሻ፣ ዘፈራት ጥዕናን ትምህርቲን ኣብ ልምዓት ፖሊሲ መንግስቲ ጃፓን ትኹረት ዝተውሃቦም ዓውዲታ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.