Fana: At a Speed of Life!

ጀመርቲ ሰብዋና ፈጠራ ንምሕጋዝ ዘኽእል ኣዋጅ ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀመርቲ ሰብዋና ፈጠራ ንምሕጋዝን ንምብርትታዕን ዘኽእል ኣዋጅ እናተሰናደአ ምዃኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።

ዳይሬክተር ጀነራል ዘፈር ምርምርን ኢኖቬሽንን እቲ ሚኒስቴር ሰላምይሁን ኣደፍርስ ከምዝገለፁዎ፥ ጀመርቲ ሰብዋና ፈጠራ ስራሕቶም ኣብ ኣገልግሎት ንኸገልግሉ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናተገበረ ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ጀመርቲ ሰብዋና ፈጠራ ኢንተርፕራይዛት ንኽኾኑ መበረታትዒታት ዝሓዘ ኣዋጅ እናተሰናደአ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኣዋጅ ኣብ ስራሕ እንትውዕል ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ልዝብ እናተገበረሉ ከምዝኾነን እቲ ኣዋጅ ንኽፀድቕ ዘኽእል ኣድላዪ ከይዲ ምስሓለፈ ተግባራዊ ከምዝግበር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.