Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ቫይረስኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ዘብፅሖ ጉድኣት ንምቕናስ ዘኽእል ማዕቐፍ ደገፍ 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጀርመን ቫይረስኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ዘብፅሖ ጉድኣት ንምቕናስ ዘኽእል ማዕቐፍ ደገፍ 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ዕላዊ ከምዝገበረት ሚኒስትር ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን  እታ ሃገር ጀርድ ሙለር ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ሃገሮም ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ከምእትስለፍ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፀሙሎም።

ስለዝኾነ እቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘብፅሖ ጉድኣት ንምቕናስ ማዕቐፍ ደገፍ 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ዕላዊ ከምዝገበረት ሓቢሮም።

እቲ ገንዘብ ንምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ኣብ ኢንዱስትሪ ጨርቃ መርቂ ዘሎ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር ንመሳርሒታት ሕክምና ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.