Fana: At a Speed of Life!

ጃክ ማ ንመከላኸሊ ኮቪድ-19 ዝሕግዙ ኣቑሑት ንኻልኣይ ግዘ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ልኢኾም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መስራቲን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኩባኒያ ኣሊባባ ጃክ ማ ንመከላኸሊ ኮቪድ-19 ዝሕግዙ ኣቑሑት ንኻልኣይ ግዘ ናብ ሃገራት ምልኣኾም ኣፍሊጦም።

ፋውንዴሽን ጃክ ማ፥ ቅድሚ ሕዚ ሃገራ ኣፍሪካ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝገብረኦ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣቑሑት ምልኣኾም ይዝከር።

እቲ ዝተገብረ ሓገዝ ድማ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ተኸፋፊሉ ኢዩ።

መሳርሒታት መመርመሪ ሓዊሱ ንሰብ ሞያታት ሕክምና ዝውዕሉ ኣቑሑትን ካልኦትን ዘጠቓለለ ሓገዝ ከምዝነበረ እውን ይፍለጥ።

ቻይናዊ ቢሊየነር ጃክ ማ፥ ንሃገራት ኣፍሪካ ዝገበሩዎ ሓገዝ ብምጥንኻር ነተን ሃገራት ዝከፋፈሉ ኣቑሑት ሕክምና ኣብ መገዲ ከምዝርከቡ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ኣብ ካልኣይ ዙር ሓገዝ፥ 500 መሳርሒታት መተንፈሲ (ቬንትሌተር)፣ 200 ሺሕ መሸፈኒ ገፅ (ማስክ)ን ሙሉእ ክዳውንቲ ሕክምናን፣ 2 ሺሕ መለክዒ ረስኒ ሰውነት፣ ከምኡ እውን 500 ሺሕ ጓንቲታትን ከምዝለኣኹ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን እቶም ኣቑሑት ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ንኽበፅሑ ዝገብሩዎ ዘለዉ ትሕብብር ድማ እቶም በዓል ሃፍቲ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.