Fana: At a Speed of Life!

ጃፓናዊ ቢሊየነር ናብ ከባቢ ወርሒ ኣብ ዝገብሮ ዑደት ሓቢሮምዎ ዝጉዓዙ ሰባት ይደሊ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓናዊ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ብኤለን መስክ እትውነት ስፔስ ኤክስ ገይሩ ኣብ ከባቢ ወርሒ ንዝገብሮ ዑደት ሸሞንተ ሰባት ብዘይክፍሊት ምስኡ ንኽጉዓዙ ዕድመ ኣቕሪቡ።

ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ብትዊተር ብቪድዮ ኣሰንዩ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ፥ “እዚ ዕድመ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ዝምልከት እዩ፤ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመፅኡ ሰባት ክፅንበሩኒ ድማ ድሌተይ ኢዩ” ብምባል ድሌት ዘለዎ ሰብ ነዚ ዕድል ተኻፋሊ ንኽኸውን ቅጥዕታትን ዝርዝራዊ ትሕስቶን ዝመልኡሉ ጥብቆን እውን ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ ኣሎ።

ኩሉ ወፃኢታት ባዕሉ ከምዝሽፍኖ ዝገለፀ ቢልዮነር ያሱኩ፥ እቶም ምስኡ ናብ ጠፈር ዝጉዓዙ ሸሞንተ ሰባት ዝኾነ ይኹን ወፃኢ ከምዘይብሎም ኣፍሊጡ።

እቲ ውጥን ናይ ጉዕዞ ኣብ 2023 ዝግበር ኮይኑ ‘ዲር ሙን’ ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ።

እቶም ምስ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ናብ ወርሒ ክኸዱ ከመልክቱ ዝደልዩ ሰባት፥ ክልተ ክገብርዎም ዘለዎም ቅድመ ኩነት እውን ቀሪብሎም።

እቲ ቅድመ ኩነት፥ እቶም ናብ ከባቢ ወርሒ ምስ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ንክጉዓዙ ከመልክቱ ዝደልዩ ሰባት ንኻልኦት ሰባትን ንሕብረተሰብን ሓገዝቲ ክኾኑን፤ ምስቶም ንሕብረተሰብ ዝሕግዙ ካልኦት ሰባት ተዋሃሂዶም ዝልዓለ ነገር ንምስራሕ ድልውነት ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም እዩ ዝብል።

ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ፋሽን ዓቢ ስም ዘለዎን ስነ ጥበባዊ ቅርስታት ኣብ ምእካብን ዝነጥፍ ኮይኑ፥ ኣብ መጀመርታ ብውሩያት ስነጥበባውያን ተሰንዩ እዩ ነቲ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዝግበር ዑደት ከካይዶ ወጢኑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዕድመ ኣቕሪቡ ዝተፈላላየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሸሞንት ሰባት ምምራፅ ዘሐሸ ከምዝኾነ ምውሳኑ ይገልፅ።

ኣብ 2018 ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ናይ መጀመርታ በታ ብኤለን መስክ እትውነን ስፔስ ኤክስ ናብ ህዋ ክበርር ውጥን ዝሓዘ ውልቀ ሰብ ተባሂሉ ሽሙ ብኽብሪ ሰፊሩ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.