Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ህፁፅ ቀረብ ምግቢ ዝውዕል 30 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፡ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ህፁፅ ቀረብ ምግቢ ዝውዕል 30 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ምግባራ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያተ ኮቪድ-19፣ በረኻ ኣምበጣ፣ ድርቂን ሓደጋ ውሕጅም ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ከምዝውዕል ተፈሊጡ።

ብብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣቢሉ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ሲዳማን ትግራይን ዝርከቡ ሕፅረት ምግቢ ዘጋጠሞም ክፋላት ማሕበረሰብ፤ ኣብ ሰብኣዊ ምላሽ ትልሚ 2020 መሰረት ተበፃሒ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

እቲ ብመንግስቲ ጃፓን ዝተገበረ ሓገዝ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዕድጊት 72 ሺሕን 440 ሜትሪክ ቶን ስርናይ ፈፂሙ ተረኪቡ ብተሸከርከርቲ ብምጉዕዓዝ ናብ መኻዚን መንግስቲ ትዮጵያ ንኸኣቱ ምግባሩ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ብብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣቢሉ ናብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝከፋፈል ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ፥ ብሄራዊ ኮሚሽን መቆፃፀሪ ስግኣት ሓደጋ፣ ኤምባሲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣብ ዘሳለጡዎ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ዕላዊ ገይሮሙዎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.