Fana: At a Speed of Life!

ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ምስ ምክትል ኢታማዦር ሹም ደቡብ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ቶይ ቻኒይ ሬይት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ምስ ምክትል ኢታማዦር ሹም ደቡብ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ቶይ ቻኒይ ሬይት ተዛቲዮም።

ብጄኔራል ኣበባው ታደሰ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጁባ ዑደት ስራሕ የካይድ ከምዘሎ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

ክልቲኦም ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ብሎጂስቲክስን ህንፀት ዓቕሚን ደገፍ ንምግባርን ተመክሮ ንምክፋልን ከምኡውን ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ፀፅታን ድሕነነትን ኣብ ምርግጋፅ  ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ብኻሊእ መዳይ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ነቢል ማህዲ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ታባን ዴንግ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም፥ ርክብ መሰረተ ልምዓት ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ተዘራሪቦም።

ብኣንፈት ኢትዮጵያ ክሳብ ከባቢ ዶብ ዘሎ መገዲ ህንፀቱ ፅቡቕ ከምዘሎ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ብደቡብ ሱዳን ግን ትፅቢት ዝግበረሎም ስራሕቲ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.