Fana: At a Speed of Life!

ጅቡቲ ንሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ሓገዝ ክትገብር ኢያ – ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ኦማር ጊሌህ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ንዕላዊ ዑደት ጅቡቲ ዝኣተዋ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኦማር ጊሌህ ተዛቲየን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ጅቡቲ ካብ ኩለን ሃገራት ኣቐዲማ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ንዘሃበቶ ሰናይ መልሲ ምስጋና ኣቕሪበን።

እተን ፕሬዚዳንት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ዝኸዶ ርሕቐት ዝምልከት ንፕሬዚዳንት ኦማር ጊሌህ መብርሂ ሂበንኦም።

ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ብምባል ደላዪ ሰላም ምዃኑ ዘመስከረ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፀናሎም።

ፕሬዚዳንት እስማኤል ኦማር ጊሌህ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ንዘዓተሮ ዓወት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ምስ ጅቡቲ ብደም፣ ብቛንቋን ባህሊን ኢሉ እውን ብቁጠባዊ ሃፍቲ ዝተኣሳሰረት ኢትጵያ፥ ሓድነታን ሰላማን ዝተሓለወ ንኽኸውን ሓገዝ ከምዝገብሩ እቶም ፕሬዚዳንት ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ክልቲኦም ፕሬዚዳንታት እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ኣብ ዝህሉ ህንፀት ሃገር እንታይ ክኸውን ከምዘለዎን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ሰላም ምዕሳልን ምዕባለ ምምፃእን ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ከምዝበለኦ፥ ኩለመዳይ መልክዕ ዘለዎን ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን፤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ምትሕብባራት ብዝዘለለ ሓደሽቲ ምትሕብባራት ከካትት ይግባእ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.