Fana: At a Speed of Life!

ጅግንነት ንደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ንቡር መግለፂአን ኢዩ – ሜ/ጀ ጥሩዬ ኣሰፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ምክልኻል ፌዴሪኢ ሜጀር ጀነራል ጥሩዬ ኣሰፌ ኣብ ግምባር ወሎ ምስ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ኣብቲ ግምባር ዝርባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ ንዘርአየኦ ጥንካረ ኣፍልጦን ክብሪን ምሃብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ስምዒት ንኽእል ኢና ካብ ቃል ዝሓለፈ ናይ ህይወት መስዋእትነት ዝሓትት ውትድርና ብብቕዓት እናተረኣየ ከምዝኾነ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ገሊፀን።

ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ምድምሳስ እውን፥ ካብ መፈለምትኡ ኣትሒዙ ምስ ፀላኢ ኢድ ብኢድ ብምግጣምን ቦምቢ እንትውድኣ ብእምኒ ድፋዕ ከልቅቕ ዝኽእል ጅግንነት ከምዘርኣያ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ምክልኻል ፌዴሪኢ ሜጀር ጀነራል ጥሩዬ ኣሰፌ፥ ጅግንነት ንደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ንቡር መግለፂአን ከምዝኾነ ገሊፀን።

“ንስኻትክን እውን ፍቕሪ ሃገርክን ብመስዋእትነት እናገለፅክን ስለዝኾንክን ነዚ ጅግንነት እናቐፀልክን ከምዝኾንክንን ስራሕኽን ብታሪኽ እነታነገረሉ ዝነብር ኢዩ” ምባለን ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.