Fana: At a Speed of Life!

ጆ ባይደን ቻይና መጥቃዕቲ እንተፈፂማ ሃገሮም ንታይዋን ከምእትከላኸለላ ደጊሞም ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ብቻይና “ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ” እንተተፈፂሙ ሃገሮም ንታይዋን ክትከላኸለላ ምዃና ደጊሞም ኣረጋጊፆም።

ባይደን ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሓይልታት ኣሜሪካ ንታይዋን ክከላኸሉ እዮም ማለት ድዩ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ “እወ” ዝብል መልሲ ሂቦም።

ታይዋን ኣብ ገማግም ምብራቓዊ ቻይና እትርከብ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ኰይና ቻይና ግን ኣካል ግዝኣተይ እያ ትብል።

ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምጓዓዝ ትርከብ።

በቲ ሓደ ወገን ነቲ ምስ ቤጂንግ ዘለዋ ርክብ እምነ ኩርናዕ ዝዀነ ፖሊሲ ሓንቲ ቻይና እያ ትኽተል።

ብመሰረት እዚ ፖሊሲ ታይዋን ኣካል ቻይና ስለ ዝዀነት ኣሜሪካ ነታ ደሴት ከም ፍልይቲ ሃገር ኣፍልጦ ኣይትህባን።

ግን ድማ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጥቡቕ ርክባታ ዓቂባ ኣፅዋር ትሸጠላ ኣላ፤ እዚ ድማ እታ ደሴት ንነብሳ ክትከላኸል ብምሕሳብ’ዩ።

ባይደን ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ምስ ተሌቪዥን ሲቢኤስ ዘካየድዎ 60 ደቓይቕ ዝፀንሐ ቃለ መሕትት  ነዚ ደጊሞም ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

“ሓንቲ ቻይና ዝብል ፖሊሲ ኣሎ፡ ግን ድማ ታይዋን እውን ኣብ ናፅነታ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ክትውስን ኣለዋ። ክንፀሉ ኣይነተባብዕን- እዚ ናታቶም ውሳነ እዩ” ኢሎም።

ፕሬዚደንት ጆ ባይደን፥  ኣብ ወርሒ ግንቦት’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ምሃቦም ይዝከር ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.