Fana: At a Speed of Life!

ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 10 ኣዋርሕ ውድብ ብልፅግና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 10 ኣዋርሕ ውድብ ብልፅግና ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም፥ ሓለፍቲ ኩለን ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ተረኺቦም።

ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓዉር ዝተተለሙ መደባት ኣፈፃፅመኦም ብዝምልከት ዘለዎ ብርኪ ከምዝግምገም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ከም ውድብ ዝተትሓዙ ትልሚታት ብምግምጋም ሸቶኦም ዘይወቕዑ ትልሚታት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ክፍፀሙ ዘኽእል ኣንፈት ክወሃብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኩለ መዳይ ዓቕሚ ፖለቲካ፣ ኮሙኒኬሽን፣ ኣወዳድባ እቲ ወድብ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ተግባራት ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝበፅሑሉ ብርኪ ብዕምቆት ከምዝግምገም ተሓቢሩ።

ኣንፈታት ትኹረት በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም እንታይ ከምዝመስሉ ከምዝድህሰሱን ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ መብርሂ ከምዝህቡን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.