Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብዓወት ተሳጊራ ፀገማታ ብባዕላ ፈቲሓ ንቕድሚ ዝቐፀለት ምዃኑ ነርእየሉ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብዓወት ተሳጊራ ፀገማታ ብባዕላ ፈቲሓ ንቕድሚ ዝቐፀለት ምዃና ተሪአሉ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም፥ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኸይካየድ ብዙሕ ጎስጓስ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ይኹን እምበር እተን ኣባል ሃገራት ነመምርሒን ሕጊን እቲ ሕብረት ተገዛእቲ ብምዃን እቲ ጉባኤ ብኣካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽካየድ ከምዝወሰና ኣመልኪቶም።

በቲ ውሳነአን ድማ ንኢትዮጵያ ዘለወን ምሕዝነት ኣርኢየን ኢየን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እዚ ተግባረን እውን ክምስገና ከምዝግበአን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዓበይቲ ክብረ በዓላትን ፍፃመታትን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ምትእንጋዳ ኣልዒሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.