Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሴክተር ዘፈር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ሴክተር ዘፈር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ካብ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ዓውዲ ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ “ብኢትዮጵያዊ ልቢ ብሕብረት እንተሰሪሕና፣ ንናብራ ምቹው ኣብ ዝኾኑ ከተማታት ዝፀበቐትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንሪአሉ ዘበን ርሑቕ ኣይኸውን” ኢለን፡፡

ኢንጅነር አይሻ መሃመድ፥ ሓቂ ኢትዮጵያን ንዓለም ንምፍላጥ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ ኣጀሚረን።

ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ መድረኽ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ዓወታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ቀሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሎም ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.