Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮቢ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ከፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ሃይማኖት ዘካትት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ከምዝኸፈተ ተገሊፁ።

እቲ  ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ትማሊ እንትኽፈት፥ ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ-ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለምን ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኬንያ ኣባ ጆሴፍ ሙቲ ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ቀሲስ ታጋይ ታደለ፥ ምኽፋት እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ሃይማኖታዊን ሃገራዊን ጉዳያት ንኽረዳድኡ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጨንፈር ምስ ቤት ምኽሪ ትካል ሃይማኖት ኬንያ ብምውዳድ ንምትእስሳር ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብግደኦም፥ ምኽፋት እቲ ቤት ፅሕፈት ሓድነት ክልቲኦም ህዝቢታት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.