Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 6 ሚሊየን ብር ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑ ኣቑሑት ድጋፍ ገይሩ፡፡

ላዕለዎት ሓለውቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ደቡብ ወሎ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ዑደት ገይሮም፡፡

“ጉድኣት ዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ብዙሓት እዮም፤ መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕ እውን ናይ ኩልና ተግባር እዩ” ዝበሉ ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ÷ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት 300 ኩንታል ሕሩጭን 600 ካርቶን መኮሮኒን ድጋፍ ከምዝገበረ ገሊፆም ኢሎም።

ኣብቲ ርኽክብ ድጋፍ ዝተረኸቡ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ከምዝገለፁዎ፥ ትካላት ሃይማኖት ምእመናን ብምትሕብባር ንዝተጎድኡ ወገናት ድጋፍ ክገብሩ ይግባእ፡፡

ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብጉባኤኡ ኣቢሉ ዝገበሮ ሓገዝ ናይ መጀመርታ እምበር ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነ ጠቒሶም፡፡

ፕረዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ፃድቁ ኣብዶ ብግደኦም፥ በቲ ጉጅለ ጉድኣት ዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ምጥያሽን ድጋፍ ምግባርን ስራሕ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ውሕስና መግብን ምክልኻል ሓደጋን ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ መሳይ ማሩ፥ ኣብ ደቡብ ወሎ በቲ ኲናት ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ንጥሜት ምቅልዑ ከምዘሕዘኖም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.