Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራልን ክልላትን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብዓዊ መሰላት ዕላማ ዝገበረ መበል 12 ጉባኤ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ብመምርሒ ለውጢ ዝተቓነየ ኣተሓሳስባን ብሞያ ስነ ምግባር ብምሕጋዝ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተሃነፅቲ ሕጊ፣ ናይ ምህናፅ ግልጋሎት ናብ ዘሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ስለዝኾነ ድማ “ኣቢያተ ህንፀት ሰብኣዊ መሰል ተሃነፅቲ ሕጊ ዝተኸበረለን ትካላት ንኽኾና ብንቕሓት ክንሰርሕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ፡፡

ኮሚሽነራት ኮሚሽን ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሓዊሱ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላር ኣብቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.