Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መበል 13 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ዛዚሙ።

ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈጠረ ክፍተት ኣሰራርሓ ምኽንያት ካብ ፈፃሚ ስራሕ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ተኣጊደን ንዝነበራ ወይዘሮ ሶፍያ ኣልማሙ ናብ ፈፃሚት ስራሕ ቦተአን ንኽምለሳ ውሳነ ሓሳብ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

ኣብ ዝተጓለ ቦታ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን መራሒ ጋንታ ዋልያታት ብምዃን ኣብ ካሜሮን ዝርከቡ ኣይተ ኣበበ ገላጋይ ንውሳነ ቀሪቦም ምክትል ፕሬዚዳንት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሸይሞም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ ዮሴፍ ካሳ ኣባል ኮሚቴ ዲሲፕሊን ኮይኖም ተመሪፆም።

ህፁፅ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ መፃኢ ወርሒ መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.