Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ዝተጨውያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉዳይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ዝተጨውያ ተምሃሮ ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ጀነራል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰው ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፣ ጀነራል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰውን ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌን ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ከምዝተጨውያ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን 17 ተምሃሮ ተጨውየን ምባሉ ስዒቡ ብዝተገበረ ምፅራይ፥ እተን 12 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምዃነን ከምዝተረጋገፀን እተን ሓሙሽተ ማንነተን ከምዘይፍለጥን ተሓቢሩ።

ምስ ምጭዋይ እተን ተምሃሮ ተተሓሒዙ መንግስቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ፥ ጀነራል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰው ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ጉዳይ እተን ተምሃሮ ዘፃሪ ሰለስተ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ እቶም ኮሚሽነር ኣብሪሆም።

ኣብቲ ከባቢ ብዕጥቂ ዝንቀሳቕስ ሓይሊ ከምዘሎን ብዝተኻየደ ወፍሪ ዋናዋና ቦታታት ብምቁፅፃር ነቲ ሓይሊ ምድምሳስ ከምዝተኽኣለን ገሊፆም።

እቲ ዝተረፈ ሓይሊ ተወዲቡ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነን መንግስቲ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብን እውን እቶም ኮሚሽነር ኣፍሊጦም።

እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ሓፈሻዊ ምርመራ እነንትዛዘም ንፁር ሓበሬታ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ብምግላፅ፥ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ናይ ኣካላት ፀፅታ ጥራሕ ስለዘይኮነ፤ ሕብረተሰብ ተሳትፎ ንኽገብር ሓቲቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.